fb img 1675897700485

ብመሰረት ኣብ መንጐ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ስቪል ምምሕዳር ዞባታት ትግራይ ናብ ቦትኦም ናይ ምምላስ ከይዲ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ናይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስቪል ምምሕዳራትን ኣካላት ፀጥታን ናብ ቦትኦም ምምላስ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ እውን ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ድምፂ ወያነ ኣረጋጊፆም።
ብመሰረት ኣብ ፕረቶርያ ዝተኻየደ ስምሞዕ ሕገ መንግስታዊ ልኣላውነት ትግራይ ምሉአ ብ ምሉአ ክኽበር ይድንግግ ።

ይኹን አምበር ሕዚ እውን ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ዞባታት ደቡብ ፡ ምዕራብን ፡ ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ብምህላዎም፣ ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ንክወፁን ብሚልዮናት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱን ሕገ መንግስታዊ ልኣላዊ ትግራይ ክኽበር ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ህዝቢን መንግስትን ትግራይ ተደጋጋሚ ፃውዒት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ ።

Leave a comment

Recent posts

Quote of the week

"People ask me what I do in the winter when there's no baseball. I'll tell you what I do. I stare out the window and wait for spring."

~ Rogers Hornsby