20230206 102433 2

ልኡኽ ሰላም መንግስቲ ትግራይ ኣብ ቐረባ አዋን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌደራል ዘካይዶ ዘተን ምርዳድእን እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ንቅድሚት ንምውሳድ ዕድል ዝተፈጠረሉ ምንባሩ መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ሰላም ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ን ጋዜጠኛታት አብ ዝሃብዎ መግለፂ ከም ዝበልዎ ኣብቲ መድረኽ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተተግበረሉን ገለ ዘይተፈፀሙ ተግባራትን ከምዝተዘተየሎም ዝገለፀ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እቲ ስምምዕ ብሙሉእነት ብምትግባር ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎ ስቓይን መከራን ንምንጋፍ መንግስቲ ትግራይ ብዝለዓለ ሓላፍነት ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ምስ ምኽፋት መሰረታዊ ኣገልግሎታት፣ ምውፃእ ወረርቲ ሓይልታት ምምላስ ዝተመዛበለ ህዝብን ካልኦት ዓበይቲ ዛዕባታትን ከምዝተልዓሉ ዝገለፀ ኣይተ ጌታቸው እዞም ጉዳያት ብህፁፅ ንምትግባር ቐፀልትን ተኸታተልትን ርክባትን መድረኻትን ከምዝጠልቡ ድማ ሓቢሮም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ኣብ ሬድዬን ቴሌቪዥን ድወትን ካልኦት ኣማራፅታትን ማሕበራዊ ሚድያታትና ክቐርብ እዪ ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድም።

ወልዳይ ግርማይ

Leave a comment

Recent posts

Quote of the week

"People ask me what I do in the winter when there's no baseball. I'll tell you what I do. I stare out the window and wait for spring."

~ Rogers Hornsby