ብኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ጃው ጂዩዋን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ቻይና ምስ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዘትዮም።
ብኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ቻይና ምስ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዋናዊ ኩነታት መሰረት ገይሮም ሎሚ 12 ሰነ 2015 ዓ/ም ዘተ ኣካይዶም።
እዚ ብኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ፣ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣባላት ዝተፈላለያ ኢንተርፕራይዛትን ኩባንያታትን መንግስቲ ቻይና ዝሓዘ ኮይኑ፣ ኣብ ሽረን ኣክሱምን ምብፃሕ ስራ ኣካይዶም።
ምስ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ውፅኢታዊ ዘተ ዘካየዱ እቶም ጉጅለ ልኡኽ፤ ኣብ ላጪ እትርከብ ቤት ትምህረቲ ዑደት ብምግባር ሓገዝ ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር፡፡
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
12 ሰነ 2015 ዓ/ም








Leave a comment